ኣረኣእያኹም ንዓና ኣገዳሲ እዩ።
ምእንቲ ጥዑይ መጻኢ ምቕራጽ፡ ብዛዕባ ምትካኽ ሽጋራ፡ ትምባኾን ፍርያት ኒኮቲንን እንታይ ከም እትሓስቡ ንምርዳእ ሓግዙና።


ስለምንታይ እዩ እቲ PATHS Survey ዘድልየና?
ክልተ ቀንዲ ምኽንያታት ኣለዉ፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዕዳጋ ብዙሕ ፍርያት ትምባኾን ኒኮቲንን ኣሎ፡ ምስዚ ኩሉ ግን ሰባት ነዞም ፍርያት ብኸመይ ከም ዝርእይዎም፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባኦም ዘለዎም ኣረዳድኣ ወይ ኣፍልጦ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። እዚ ክንፈልጦ ንደሊ። ከምኡ’ውን፡ ገለ ጉጅለታት ሰባት፡ ከም ናይ ስደት ድሕረ-ባይታ ዘለዎም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ናይ ስዊዘርላንድ ሃገራዊ ቋንቋ ወጻኢ ካልእ ብዙሕ ቋንቋታት ወይ ቋንቋ ዝዛረቡ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ትሑት ውክልና ከም ዘለዎም ካብ ዝተፈላለየ መጽናዕትታት ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ኣብዚ መጽናዕቲ ብፍሉይ ካብ ስዊዘርላንድ ወጻኢ ሃገር ዝተወልዱ ወይ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ወለዲ ዘለዎም ሰባት ንምብጻሕ ዕላማ ኣለና።ንመጽናዕቲ PATHS መን እዩ ዘመሓድር ዘሎ?
እቲ PATHS ዝበሃል መጽናዕቲ ኣካል ናይቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ “በርን” ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ማሕበራውን ምክልኻልን ሕክምና (ISPM) ኣባል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባዊ ጥዕናን ስርዓታት ክንክን ጥዕናን ዝምልከት ጉጅለ መጽናዕቲ ዝኾነ “ክሪስ ሹርች” ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ወረቐት(PhD)እዩ። ምስ ዲያስፖራ ቲቪ፡ ከምኡ’ውን ምስ ማሕበር ምቁጽጻር ትምባኾ ስዊዘርላንድ (AT Switzerland) እውን ንሰርሕ ኣለና።ተወሳኺ ሓበሬታ፤
ዕጫ
ኣብ መንጎ ተሳተፍቲ ክሳብ 1000CHF (20x 50CHF) ዝበጽሕ ዓወት ዘለዎ ዕጫ ከነካይድ ኢና።
ኣብቲ ዕጫ ክትሳተፉ ምስ እትደልዩ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ መጽናዕቲ፡ ኣብቲ ዕጫ ክትሳተፉ ኢመይል ኣድራሻኹም ከተቐምጡሉ እትኽእሉ ቦታ ክህሉ እዩ።
ናይ ምስታፍን ናይ ዘይምስታፍን ናጽነት
ተሳትፎኹም ብወለንታኹም እዩ። ካብቲ መጽናዕቲ ኣብ ዝኾነ እዋን ብዘይ ዝኾነ ጽልዋ ናይ ምስሓብ መሰል ሑልው እዩ ።
ነቲ መጽናዕቲ እንተመሊእኩም ግን፡ ንኽትሳተፍ ፍቓድኩም ሂብኩም።
ምስጢራዊነት’ን ስመ ዘይምስማይን
ተሳትፎ ወለንታዊ ኮይኑ ኩሉ መልስታት ኣብ ትንታነታትና ብሚስጢርን ስም ብዘይ ምስማይን ክግምገም እዩ።
ድሕነት ዳታኹም ብዕቱብ ንወስዶን ኣብ ውሽጢ ስፍሓት ናይዚ ፕሮጀክት ዝእከብ ሓበሬታኹም ብጽቡቕ ሓለዋ ንኽህልዎ ግቡእ ስጉምትታት ወሲድና ኣለና።
እቲ መበቆላዊ መዛግብቲ ናይቲ መጽናዕቲ ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርሲቲ በርን ብውሑስ ክቕመጥ እዩ፡ እዚ ድማ ነቲ ጉጅለ መጽናዕቲ ጥራይ ክረኽቦ እዩ። እቲ ዝተዓጽወ ፋይል ኣብ መወዳእታ ናይቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቶም ተዛመድቲ ናይ መጽናዕታዊ ጽሑፋት (PhD) ፕሮጀክትታት ክስረዝ እዩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ዳሕረዋይ ንድሕሪ 10 ዓመት፡ ብመሰረት ደረጃታት ኣካዳሚያዊ ምርምር። ብተወሳኺ ብመንገዲ እቲ መጽናዕቲ እንእክቦ ሓበሬታ ኣብ “ሰርቨይ ሞንኪ” ሰርቨር ኣብ ኣሜሪካ ይኽዘን። “ሰርቨይ ሞንኪ” ብመሰረት ፕሮግራም ዋልታ ብሕታዊነት ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ ብሚኒስትሪ ንግዲ ኣመሪካን ኮሚሽን ኤውሮጳን ዝተነድፈ እዩ። ብዛዕባ ፕሮግራም ዋልታ ብሕታዊነት ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝያዳ ክትፈልጡ ትኽእሉ ኣብዚ (LINK)።
ውጽኢት ምክፋል
ውጽኢት ናይቲ መጽናዕቲ ናብ ሳይንሳዊ ሕትመት ክምገብ ኮይኑ፡ ንሳይንሳዊ ኣቀራርባ ወይ ንመምሃሪ ዕላማታት ክውዕል ይኽእል እዩ። ጽማቕ ወይ ገምጋም ውጽኢት ንምርካብ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም።
መራኸቢ መርበብ
ኢንስቲትዩት ማሕበራውን ምክልኻልን ሕክምና (ISPM) ዩኒቨርሲቲ በርን። መራሒ ፕሮጀክት፡ ፕሮፌሰር ዶክተር ኣኒካ ፍራህሳ ምውህሃድ ፕሮጀክት፡ ክሪስ ሹርች፡ MSc E-ኢሜል: kris.schuerch@unibe.ch www.communityhealth.ch
I am interested in understanding, explaining, and promoting health, equity, and well-being. Within the research group, we focus on three research areas: (1) prevention and health promotion, with a particular focus on physical activity promotion, (2) community health, and (3) healthy settings.
I am also dedicated to supporting students in developing their skills in critical thinking and asking why about health, disease, and illness. I do this by teaching courses on health promotion and Qualitative health research in different programs: the Public Health Sciences Course program for PhD students at UniBe, the inter-university MPH program, and the medical degree program.
My background is in social science: I studied political science and North American studies at FAU Erlangen-Nuremberg/Germany and at McGill University Montréal in Canada. With work on the capability approach as a paradigm for physical activity-related health promotion, I received my habilitation at the University of Tübingen in 2021. Prior to my current position, I was a postdoctoral fellow at the Univ. of Tübingen (2018-2021) and the FAU Erlangen-Nuremberg (2013-2018).
Out of the office, I try to spend the maximum time outside — Aare swimming and strolling; backcountry canoeing, tenting, and hiking with my family; as well as running for charity and talking time with the best squad.

I grew up across the globe, and in the Netherlands, I completed my BSc in Public Health and MSc in Global Health. In 2020, I returned back to my roots in Switzerland, and now work as a project manager at the Swiss Association for Tobacco Control. Since 2022, I am also doing my PhD here at the Institute of Social and Preventive Medicine. My research focuses on migrant health and smoking. I see tobacco as one of the biggest public health challenges and am particularly interested in the politics of tobacco control. My other interests include global health governance, agroecology, and chocolate.